ጽማቝ ሓሳባት
Read the full fact sheet- ድሕሪ ሓደ ዘጨንቕ ወይ ዘፍርሕ ፍጻመ ሓያል ግብረ-መልሲታት ክህልወኩም ንቡር እዩ። ሓደ ዘጨንቕ ፍጻመ ከም'ዚ ዝስዕብ ክኸውን ይኽእል፥ ሓዊ ዱርን ምጥልቕላቕ ማይን ገበን፡ ወይ ንዓኹም ዘጋጥመኩም ዓመጽ ሓደጋ መኪና ኣካላዊ ወይ ጾታዊ መጥቃዕቲ ስእልታት፡ ጸብጻባት ዜና ወይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዛዕባ ዘጨንቑ ፍጻመታት ዝዝርጋሕ ጽሑፋት ምርኣይ።
- ዝተፈላለዩ ኣካላዊ፡ ኣእምሮኣዊ፡ ስምዒታውን ባህርያውን ግብረ-መልሲታት ከጋጥመኩም ይኽእል እዩ። ንኽትጻወርዎን ንኽትሓውዩን ግን ብዙሕ ክትገብርዎም ትኽእሉ ነገራት ኣለው።
- ድሕሪ 3-4 ሰሙን ገና ምልክታት እንተድኣ ኣልዩኩም፡ ሓገዝ ምርካብ ኣገዳሲ እዩ።
On this page
ሓገዝ ካበይ ትረክብ
- ናትኩም GP (ሓኪም)
- ዝተመደበልኩም ክኢላ ሓኪም ኣእምሮ፡ ከም ሓኪም ስነ-ኣእምሮ፡ ሓኪም ስነ-ልቦና፡ ኣማኻሪ፡ ወይ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ ዝበሉ
- ኣብ ከባቢኹም ዝርከቡ ማእከል ጥዕና ማሕበረሰብ
- ኣገልግሎት ሪፈራል ማሕበር ስነ-ኣእምሮ ኣውስትራልያ ተሌ. 1800 333 497
- ፊነክስ ኣውስትራልያ ማእከል ድሕሪ ስንባደ ዝመጽእ ጥዕና ኣእምሮ ተሌ. (03) 9035 5599
- ማእከል ሓዘን ተሌ. 1800 642 066
ነጻ ናይ ዘሰንብድ ተመኵሮ በዓል ሞያ ሓገዝ፥
- ግዳይ ገበን እንተኾንኩም፡ ኣብ victimsofcrime.vic.gov.au/services-for-victims-of-crime-[tigrinya] ተወከሱ። ብተወሳኺ፡ ናብ መስመር ሓገዝ ግዳያት ገበን ብ 1800 819 817 ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም። ተርጐምቲ ኣለዉ።
- ውላድካ በቲ ኣብ መላእ መልበርን ኣብ ዝርከባ ማእከላት መውዓሊ ህጻናት ኣብ ልዕሊ ህጻናት ተፈጺሙ ዝበሃል ጾታዊ መጥቃዕቲ እንተ ተጸልዩ፡ ኣብ 1800 791 241 ነጻ ውፉይ መስመር ምኽሪ ኣሎ። ተርጐምቲ ኣለዉ።
- ሓደጋ መኪና እንተ ኣጋጢሙኩም፡ ንማሕበረሰብ ኣምበር ተወከሱ – ናይ ጽርግያ ሓደጋታት ደገፍን ትምህርትን ኣብ (03) 8877 6900 ወይ 1300 367 797.
ካብ'ዚ ምኽሪ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፥
- መስመር ህይወት ቁ.ስልኪ፡ 13 11 14
- መስመር ሓዘን ቁ.ስልኪ፡ 1300 845 745
- ብዮንድብሉ ቁ.ስልኪ፡ 1300 22 4636
- መስመር ነርስ ቁ.ስልኪ፡ 1300 60 60 24 - ንሓበሬታን ምኽርን በዓል ሞያ ጥዕና (24 ሰዓታት፣ 7 መዓልታት)
- ኣውስትራልያዊ መርበብ ሓበሬታ ወለዲ - raisingchildren.net.au
ነዚ ናይ ዘሰንብድ ተመኵሮን ሕውየትን ፖድካስት እውን ክትሰምዑ ትኽእሉ ኢኹም።
ንሓበሬታ ዘሰንብድ ተመኵሮን ሕውየትን ብቋንቋኹም ኣብ ትርጉማት ጥዕና ተወከሱ።
ንዘሰንብድ ተመክሮ ብኸመይ ክትምልሰሉ ትኽእል
ንዘሰንብድ ተመኵሮ እትህብዎ ምላሽ ኣብ'ዚ ዝስዕብ ክምርኮስ ይኽእል፥
- ዓይነትን ጽንኩርነትን ናይ'ቲ ስንባደ ዝፈጥር ፍጻመ
- ቅድሚ ሕጂ ዝኾነ ተመኩሮ ወይ ስልጠና እንተሃልዩኩም
- ብቐጥታ ተሳታፊ ወይ ተዓዛቢ እንተኔርኩም
- ድሕሪ እቲ ፍጻመ እትረኽብዎ መጠን ሓገዝ
- ካልእ ኣብ ህይወትኩም ዝፍጸም ውጥረት ዝመልኦ ነገራት
- ውጥረት ዝመልኦ ፍጻመታት እትጻወርሉ ንቡር መገድታት
- ዝኾነ ቅድሚ ሕጂ ዘጋጠመ ስንባደ ዝመልኦ ተመኩሮታት።
ሓደ ዘጨንቕ ፍጻመ ምስ ሓለፈ፡ ነቲ ፍጻመ ትርጉም ክትህብዎ ክትጽዕሩ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ድማ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ምሕሳብ ከጠቓልል ይኽእል፥
- ብኸመይን ስለምንታይን ከም ዘጋጠመ
- ብኸመይን ስለምንታይን ተሳቲፍኩም
- ስለምንታይ ከምኡ ከም እተሰምዓኩም
- ዝስምዓኩም ዘሎ ስምዒታት እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃንኩም ዘመልክት ድዩ ኣይኮነን
- እቲ ተመክሮ ኣብ ህይወት ዘለኩም ኣረኣእያ ቀይርዎ ድዩ ኣይቀየሮን፡ ከምኡ'ውን ብኸመይ።
ስምዒታዊ፡ ኣእምሮኣዊ፡ ኣካላውን ባህርያውን ግብረ-መልሲ እውን ከጋጥመኩም ይኽእል እዩ።
ስምዒታዊ ግብረ-መልሲ ንዘሰንብድ ተመክሮ
ከም'ዚ ክስምዓኩም ይኽእል እዩ፥
- ኣዚኩም ውጥረት ይስምዓኩም፡ ትጭነቑ ወይ ትፈርሑ
- ስንባደ፡ ልክዕ ከም'ዚ ካልእ ነገር እውን ዘጋጥም
- ኣብ ሓደጋ ከም ዘለኹም
- ምድንዛዝ ወይ ምስንባድ
- ምድንጋር
- ዝያዳ ስምዒታዊ ምዃንን ምሕራቕን
- ኣዚኻ ምልህላህን ምድካምን
- ምዝሕታል
- ንኻልኦት፡ እንተላይ ንስድራቤትን ንፈተውትን ዝከላኸል ምዃን
- ካብ ገዛኹም ክትወጹ ዘይምድላይ
- ካብ ሰባትን ቦታታትን ክትግለሉ ወይ ክትርሕቑ ምድላይ.
እዚ ግብረ-መልሲ እዚ ንቡር እዩ፤ ብዙሕ ካብ'ዞም ግብረ-መልሲታት እዚኦም ብሓንሳብ ክስመዓኩም ይኽእል እዩ።
እዚ ኣካል ናይ'ቲ ተፈጥሮኣዊ መስርሕ ሕውየት ኣካላትኩም ኮይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዝሓሸ ስምዒት ክስምዓኩም እዩ።
ኣእምሮኣዊ ግብረ-መልሲ ንዘሰንብድ ተመክሮ
እዚ ከጋጥመኩም ይኽእል፥
- ኣብ ምትኳር ወይ ነገራት ምዝካር ምጽጋም
- ከይደለኹም ብዛዕባ’ቲ ፍጻመ ምሕሳብ
- ነቲ ፍጻመ ኣብ ኣእምሮኹም ደጋጊምኩም ምሕሳብ
- ምድንጋር ወይ ኣንፈትኩም ምስሓት።
ኣካላዊ ግብረ-መልሲ ንዘሰንብድ ተመክሮ
ኣካላትኩም ከም'ዚ ክኸውን ይኽእል፥
ባህርያዊ ግብረ-መልሲ ንዘሰንብድ ተመክሮ
ከም'ዚ ክትደልዩ ትኽእሉ፥
- ነቲ ፍጻመ ምዝካር ዘይምድላይ
- ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ምሕሳብን ምዝራብን ምቕጻል
- ካብ'ቲ ንቡር መዓልታዊ እትገብርዎ ነገራት ምቕያር ወይ ምግላል
- ዝያዳ ኣብዚሕካ ወይ ውሑድ ምብላዕ
- ዝያዳ ኣልኮላዊ መስተን/ወይ ቡን ምስታይ
- ሽጋራ ምትካኽ
- ድቃስ ምእባይ።
ድሕሪ ዘሰንብድ ተመክሮ ከመይ ጌርካ ትሓዊ
ዝኾነ ንድሕነትኩም ወይ ንህይወትኩም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ፡ ወይ ንኻልኦት ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ነገር፡ ውጥረት ክገብረልኩም ይኽእል እዩ። እዚ ‘ህጹጽ ባህሪ’ ዝበሃል ኮይኑ፡ ኣካላትኩም ንሓደ ስግኣት ግብረ-መልሲ ክህብ ኣብ ዝፍትነሉ እዋን ዝርአ እዩ። ነቲ ነገር ክንዋጽኣሉ ምእንቲ ክንክእል፡ ኣካላትና ኣብ ሓጺር ግዜ ብዙሕ ጸዓት ክህበና እዩ ዝጽዕር ዘሎ።
መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ‘ህጹጽ ባህሪ’ ንሓጺር እዋን እዮም ዝጸንሑ። ዘይተጸበኽምዎ ነገራት ምስ ዘጋጥም ወይ መሊስኩም ኣብ ውጥረት ምስ እትኣትዉ ግን ናብ ‘ህጹጽ ባህሪ’ ክትምለሱ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ እዩ ድማ ድሕሪ ሓደ ዘሰንብድ ፍጻመ ድኻም ክስምዓኩም ዝኽእል።
ኣካላትኩም ንኽሓዊ ንምሕጋዝ፡ ንነብስኹም ካብ ‘ህጹጽ ባህሪ’ ክትወጽኡ ክትሕግዝዋ ኣለኩም። እዚ ኣካላትኩም ዳግማይ ብንቡር ክሰርሕን ናብ ንቡር ደረጃ ጸዓት ንኽምለስን ይሕግዞ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ'ቲ ፍጻመ ኣብ ውሽጢ ኣስታት ሓደ ወርሒ ወይ ከባቢ እዩ ዝፍጸም።
ንኽትሓዊ ክሕግዝኹም ዝኽእሉ ብዙሓት ስትራተጂታት ኣለዉ። እዚ ዝስዕብ ክትገብሩ ትኽእሉ፥
- ዘጨንቕ ወይ ዘፍርሕ ተመክሮ ከም ዘሕለፍኩም ምርዳእ። ግብረ-መልስኹም ንቡር ምዃኑ
- ከም ናይ ቀደምኩም ከምዘይስመዓኩም፡ ግን ከዓ እዚ ክሓልፍ ምዃኑ ምርዳእ
- ነገራት ከም ንቡር ክትገብሩ እንተዘይክኢልኩም፡ ብባዕልኹም ክትሓርቁ ወይ ክትበሳጨዉ ኣይትፈትኑ
- ክትጻወርዎ ኢልኩም ኣልኮላዊ መስተ ወይ ሓሽሽ ምጥቃም ኣወግዱ
- ዓበይቲ ውሳነታት ወይ ናይ ህይወት ለውጢ ካብ ምግባር ተቖጠቡ
- ግዜ ወሲድኩም ናብ ንቡር ህይወትኩም ተመለሱ
- ክድግፈኩምን ክርድኣኩምን ምስ ዝኽእል ሰብ ተዘራረቡ
- ንቡር ልምድኹም ክትሕልዉን ትሑዝ ክትኮኑን ፈትኑ
- ካብ ዝተወሰኑ ቦታታት ወይ ንጥፈታት ንምርሓቕ ካብ መንገድኹም ንዘይምውጻእ ፈትኑ
- ንዕረፍቲ ዝኸውን ግዜ ምፍላይ
- ንስሩዕ ምንቅስቓስ ኣካላት ግዜ ውሰዱ
- ንስድራቤትኩምን ፈተውትኹምን እንታይ ሓገዝ ከም ዘድልየኩም ንገርዎም፣ ከም ንዕረፍቲ ምውሳድ ወይ ክትዛረብዎ ትኽእሉ ሰብ ምርካብ
- ከም ዮጋ (yoga)፡ ምስትንፋስ ወይ ኣስተንትኖ ዝኣመሰሉ ናይ ምዝንጋዕ ሜላታት ምጥቃም። ከም ሙዚቃ ምስማዕ ወይ ጀርዲን ምግባር ዝኣመሰለ ባህ ዝብለኩም ነገራት እውን ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም
- ስምዒታትኩም ብከም'ቲ ዝስምዓኩም መገዲ ግለጹ። ምስ ሓደ ሰብ ኰይንኹም ብዛዕባ ስምዒታትኩም ክትዛረቡ ወይ ክትጽሕፉ ትኽእሉ ኢኹም
- ንዝኽርታትኩምን ተመኩሮታትኩምን ከም'ቲ ዝስምዓኩም ምግጣም። ብዛዕባኦም ሕሰቡ፡ ድሕሪኡ ንጐድኒ ግደፍዎም። ካልእ ተዘክሮታት ዘምጽእ እንተኾይኑ፡ ካብ'ቲ ሕጂ ዘሎ ጸገም ክትፈልይዎ ፈትኑ።
ሕጂ እውን ትጽገሙ እንተ ኣሊኹም፣ ናይ በዓል ሞያ ሓገዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም
ብሰንኪ ሓደ ዘሰንብድ ፍጻመ ዝመጽእ ጸቕጢ ቀጻሊ ክኸውን ይኽእል እዩ። ከም'ዞም ዝስዕቡ እንተኣጋጢሙኩም፡ ናይ በዓል ሞያ ሓገዝ ክትረኽቡ ይግባእ፥
- ድሕሪ እቲ ፍጻመ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ከባቢ ዝኣክል ኣዝዩ ስምዒታዊ ጭንቀት ይስምዓኩም እንተልዩ
- ምድንዛዝን ባዶነትን ብቐጻሊ ምስ ዝስምዓኩም
- ኣካላዊ ምልክታት ጸቕጢ ምርኣይ ምስ ዝቕጽል
- ምዝባዕ ድቃስ ወይ ሕማቕ ሕልሚ ምስ ዝቕጽል
- ነቲ ተመኩሮታትኩም ካብ ዘዘኻኽረኩም ዝዀነ ነገር ክትርሕቑ ምፍታን
- ስምዒታትኩም ክተካፍልዎ ትኽእሉ ሰብ እንተ ዘይብልልኩም
- ምስ ስድራቤትን ፈተውትን ዘለኩም ዝምድናታት ይበላሾ እንተልዩ
- ተስግሉ እንተሊኹም
- ዝያዳ ኣልኮል ወይ ሓሽሽ ትጥቀሙ እንተሊኹም
- ናብ ስራሕ ክትምለሱ ወይ ዕለታዊ ሓላፍነታትኩም ክትፍጽሙ ምስ እትጽገሙ
- እቲ ዘጋጠመ ዘሰንብድ ተመኲሮ ናብ ኣእምሮኹም መመሊስኩም ምምጻእ
- ኩሉ ግዜ ትርበሹን ብቐሊሉ ትስንብዱን።
ብዛዕባ ድሕሪ ዘሰንብድ ተመክሮ ዝመጽእ ጸቕጢ (PTSD)
ድሕሪ ሓደ ዘጨንቕ ፍጻመ፡ ገሊኦም ሰባት ድሕሪ ኣስታት ሓደ ወርሒ ከባቢ ኣይሓውዩን።
እዚ ዓይነት ግብረ-መልሲ ንህይወትኩም ብብዙሕ መንገዲ ክጸልዎ ይኽእል እዩ። ምስ ስድራቤትኩምን ፈተውትኹምን ዘለኩም ርክብ ክቕየር ወይ ክትሰርሑ ከጸግመልኩም ይኽእል እዩ።
እዚ ድሕሪ ዘሰንብድ ተመክሮ ዝመጽእ ውጥረት (PTSD) ክኸውን ይኽእል እዩ።
PTSD ዘለኩም ዀይኑ እንተ ተሰሚዑኩም፡ ካብ በዓል ሞያ ጥዕና ሓገዝ ክትሓቱ ይግባእ።
ኣብ ዝኾነ እዋን ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ጥዕናኹም ወይ ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ጥዕና እትፈትውዎ ሰብ ትጭነቑ እንተኾንኩም፡ ናብ መስመር ህይወት ብ 13 11 14 ደውሉ።