ጽማቝ ሓሳባት
Read the full fact sheet- ውላድኩም ካብ ዘጨንቕ ወይ ዘፍርሕ ተመክሮታት ንኽሓዊ ክትሕግዝዎ ትኽእሉ ኢኹም። እዞም ተመኩሮታት ነዞም ዝስዕብ ከጠቓልሉ ይኽእሉ፥ ሓደጋታት መኪና ሓዊ ዱርን ምዕልቕላቕ ማይን ሃንደበታዊ ሕማም ወይ ሞት ስድራቤት ገበን፡ ግህሰት ወይ ዓመጽ
- ቈልዑ ነዚ ዝስዕብ ክዕዘቡ እዮም፥ ነቲ ቅልውላው ባዕልኹም ብኸመይ ከም እትፈትሕዎ ንስምዒታቶምን ባህርያቶምን ብኸመይ ከም እትምልሱ
- እዞም ምኽርታት እዚኣቶም፡ ምስ ውላድኩም ብዛዕባ ተመኩሮታቱ ዕላል ክትገብሩ ክሕግዝኹም ይኽእሉ። ንዕድሚኡ ብዝርድኦ መንገዲ ንውላድኩም ነቶም ሓቂታት ምንጋር ኣገዳሲ እዩ።
- ኩሉ ግዜ ናይ ሰብ ሞያ ሓገዝ ክትደልዩ ትኽእሉ ኢኹም። ብናይ ስድራቤትኩም ሓፈሻዊ ሓኪም (GP) ክትጅምሩ ትኽእሉ ኢኹም።
On this page
ቈልዑ ንዘሰንብድ ተመኵሮ ብከመይ ግብረ-መልሲ ይህቡ
ሓደ ቆልዓ ንሓደ ዘጨንቕ ወይ ዘፍርሕ ተመክሮ ዝህቦ ግብረ-መልሲ ኣብ'ዞም ዝስዕቡ ክምርኮስ ይኽእል፥
- ዕድመኦም
- ስብእናኦም
- ንስኩም ወይ ስድራቤትኩም እትህብዎ ዘለኹም ግብረ-መልሲ
ውላድኩም በቲ ንስኹም እትጽበይዎ መገዲ ግብረ-መልሲ ዘይክህብ ይኽእል። እዚ ዝስዕብ ክዀኑ ይኽእሉ፥
- ይግለሉ - ኣብ ንጥፈታት ተገዳስነት ዘይክህልዎም ይኽእል። ዓርሰ-እምነቶም ክቕንስ፡ ስቕ ክብሉ ወይ ድማ ናብ'ቲ ቆልዑ እንከለው ዝነበሮም ባህርያት ክምለሱ ይኽእሉ።
- ትሑዛት ይኾኑ - ነቲ ዘሕለፍዎ ተመክሮ መመሊሶም ይዝክርዎ። ንኣብነት፡ ብተደጋጋሚ ጸወታ ወይ ስእሊታት። ውላድኩም ብዛዕባ ናይ መጻኢ ፍጻመታት ክፈርሕ ወይ ዘባህርር ሕልሚ ክሓልም ይኽእል።
- ምጭናቕ - ናይ ምትኳር ወይ ኣቓልቦ ናይ ምሃብ ጸገም ክህልዎም ይኽእል። ኩሉ ግዜ ኣብ ጥቓኹም ምኻን ክደልዩ፣ ናይ ድቃስ ጸገም ክህልዎም ወይ ድማ ብቐሊሉ ዝሓርቁ ክኾኑ ይኽእሉ።
- ጥዕና ምስኣን- ሕማም ርእስን ቃንዛ ከብድን ክህልዎም ይኽእል።
ውላድኩም ደንጕዩ ግብረ-መልሲ ክህብ ይኽእል እዩ። ገለ ቆልዑ ጽቡቕ ዘለዉ ክመስሉ ይኽእሉ እዮም፤ ግን ድሕሪ መዓልታት፡ ሰሙናት ወይ ኣዋርሕ ከይተረፈ ምላሽ ክህቡ ይኽእሉ።
ብዛዕባ ዘሰንብድ ፍጻመታት ብኸመይ ትዘራረብ
ንውላድኩም ብቕንዕና እንተ ተዛሪብክምዎም ክሕግዞም እዩ። ከም'ዚ ዝስዕብ ክትገብሩ ትኽእሉ፥
- ንውላድኩም ደሓን ከም ዝዀነን እቲ ፍጻመ ከም ዝሓለፈን ኣረጋግጹሎም። ብዙሕ ግዜ ከተረጋግጸሎም የድልየኩም ይኸውን።
- ንውላድኩም ስምዕዎ። ዘተሓሳስቦም ነገርን ስምዒቶምን ብቱኽረት ረኣይዎ።
- ንውላድኩም እንታይ ይስምዖ ከም ዘሎ ክትፈልጡ ከም እትደልዩ ኣፍልጥዎ።
- ንውላድኩም ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ነገር ምስ ዕድመኡ ብዝሰማማዕ መገዲ ንገርዎ። ዝርድኦም ቋንቋ ተጠቐሙ። ውላድኩም ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ መሰረታዊ ሓቅታት እንተ ዘይፈሊጦም፡ ባዕሎም ኣብ መደምደምታ ክበጽሑ ይኽእሉ እዮም። ነቲ ዛንታ ንምዝዛም፡ ብኣእምሮኦም ዝሰኣልዎ ነገር ወይ ድሩት ሓበሬታ ክጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። እዚ ንውላድኩም ዝያዳ ጭንቀትን ምድንጋርን ክፈጥር ይኽእል እዩ።
- ናቶም ጌጋ ከምዘይኮነ ውላድኩም ከምዝፈለጡ ኣረጋግጹ። ረበሽቲ እንተ ዀይኖም ወይ ብዛዕባ ሓደ ሰብ ሕማቕ ነገር ሓሲቦም እንተ ነይሮም ከም'ዚ ክሓስቡ ይኽእሉ እዮም።
- ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ከም ስድራቤት ኴንኩም ተዛረቡ። ንህጻናት ሓዊስካ ኩሎም ርእይቶኦም ክህቡ ፍቐዱሎም። እዚ ድማ ኩሉ ሰብ ዝተደገፈ፡ ዝተሰምዐን ዝተረድአን ኮይኑ ንክስምዖም ይሕግዝ።
- ሰባት ንጭንቀት ብኸመይ ምላሽ ክህቡ ከም ዝኽእሉ ምስ ውላድኩም ተዘራረቡ። ኣብ ከም'ዚ ኩነታት ስምዒቶም ንቡር ምዃኑ ንገርዎም። ምስ ግዜ ዝሓሸ ስምዒት ከም ዝስምዖም ደጊምኩም ከተረጋግጽሎም ትኽእሉ ኢኹም።
ንሓደ ፍጻመ ዘሰንብድ ተመኵሮ ብኸመይ ክትሕዝዎ ከም እትኽእሉ
ኣብ ስምዒታትን ባህርያትን ውላድኩም እትህብዎ ግብረ-መልሲ፣ ኣብ ሕውየቱ ጽልዋ ክህልዎ እዩ። እዚ ዝስዕብ ኣገዳሲ እዩ፥
- ነቲ ኣብ ባህርያቶም ዝገብርዎ ለውጢ ምርዳእ። ህጻናት ንጭንቀት ወይ ዘፍርሕ ፍጻመታት ብዝተፈላለየ መንገዲ ምላሽ ይህቡ። ከም ቍጥዐታት ወይ ኣብ ዓራት ምሻን ዝኣመሰለ ናይ ባህርያት ለውጢ ንቡር እዩ።
- ንውሉድኩም ዝያዳ ኣቓልቦ ሃቡ። እዚ ኣብ እዋን ድቃስን ኣብ ካልእ እዋን ምፍልላይን ኣገዳሲ ክኸውን ይኽእል።
- ንባዕልኹም ሓገዝ ድለዩ። ህጻናት ንሓደ ቅልውላው ንምርዳእን ምላሽ ንምሃብን ናብ ወለዶም ወይ ኣለይቶም ይጥምቱ። ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ዓበይቲ ሰባት ንፍርሖም ተረዲኦም ከጸናንዕዎም ይደልዩ። ንስኹም እውን እንተ ተጨኒቕኩም፣ ደገፍ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። እንተ ዘይኰነ፡ እዚ ነቲ ውላድኩም ዝስምዖ ፍርሕን ጭንቀትን ክውስኸሉ ይኽእል።
- ብዛዕባ ስምዒታትኩም ብግቡእ መገዲ ምስ ውላድኩም ተዘራረቡ። እዚ ብዛዕባ ናቶም ንኽዛረቡ ክሕግዞም ይኽእል እዩ።
- ኩሉ ሰብ ዝተፈላለየ ምዃኑን ዝተፈላለየ ስምዒት ክህልዎ ከም ዝኽእልን ዘክሩ። ውላድኩም ከም'ቲ ንስኹም ዝስምዓኩም ክስምዖ ኣይትጸበዩ።
- ውላድኩም ንህይወቱ ኽቋጻጸር ከም ዝኽእል ክስምዖ ሓግዝዎ። ንኣሽቱ ውሳነታት ምግባር እውን ከይተረፈ፡ ዝያዳ ቍጽጽር ከም ዘለዎም ክስምዖ ይኽእል እዩ። እዚ ብፍላይ ድሕሪ ቅልውላው ኣብ ዘሎ ዕግርግር ኣገዳሲ እዩ። ረዳኢ ዘይብሎም ኮይኑ ዝስምዖም ህጻናት ዝያዳ ጭንቀት ከጋጥሞም ይኽእል እዩ።
- ንውላድኩም ካብ መጠን ንላዕሊ ከይትከላኸልሉ ጽዓሩ። ድሕሪ ቅልውላው ስድራኹም ካባኹም ኽፍለዩ ዘይምድላይ ንቡር እዩ። ግናኸ፡ ዓለሞም ንኽነብሩላ ውሕስቲ ቦታ ምዃና ክስምዖም ምሕጋዝ ኣገዳሲ እዩ።
ስድራቤታዊ ልምድታት ድሕሪ ዘሰንብድ ፍጻመታት
እዚ ዝስዕብ ኣገዳሲ እዩ፥
- ብዝተኻእለ መጠን ስሩዕ ልምድታትኩም ቀጽልሉ። እዚ ንህጻናት ዘረጋግእ እዩ።
- ውላድኩም ነቲ ልሙድ ልማዱ ክገብር እንተ ዘይክኢሉ ኣጸናንዑዎ። እዚ ኸኣ ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ወይ ናይ ገዛ ስራሕቲ ምስራሕ ከጠቓልል ይኽእል እዩ።
- ከም ሓድሽ ልምድታት፡ ሓላፍነት ወይ ትጽቢታት ባህርያቶም ዝኣመሰሉ ለውጥታት ካብ ምትእትታው ተቖጠቡ።
- ኣብ'ቲ ገዛ ከም ዓቢ ሰብ ዘለኩም ግደ ቀጽልሉ። ትጽገሙ እንተ ኣሊኹም፡ ሓገዝ ንምርካብ ኣብ ውላድኩም ዘይምሙርካስ ኣገዳሲ እዩ።
ውላድኩም ንኽሓዊ ብኸመይ ትሕግዙ፥
እዚ ዝስዕብ ኣገዳሲ እዩ፥
- ውላድኩም ንክጻወት ብዙሕ ግዜ ፍቐዱሉ። እዚ ስፖርት፡ ዝፈትውዎ ጸወታ ከምኡ እውን ምስ ዝፈልጥዎም ኣዕሩኽ ዝገብርዎ ንጥፈታት ክኸውን ይኽእል እዩ።
- ዝዘናገዐሉ ግዜ ፍቐዱሉ። ሰሓቕ፡ ጽቡቕ ግዜን ናይ ሓባር ደስታን ንኹሎም ኣባላት ስድራቤት ጽቡቕ ስምዒት ክህልዎም ክሕግዞም ይኽእል።
- ሸውሃት ውላድኩም ክቕየር ከም ዝኽእል ኣይትረስዑ። ኣብ ግዜ መግቢ ክበልዑ ድሌት እንተ ዘይብሎም ኰይኖም፡ ኣብ ክንድኡ ኣብ መላእ መዓልቲ ነንእሽቶ መግቢ ኣቕርቡሎም።
- ውላድኩም እኹል ዕረፍትን ድቃስን ከም ዝረክብ ኣረጋግጹ።
- ኣካላዊ ምንቅስቓስ ክገብሩ ሓግዝዎም። እዚ ድማ ውላድኩም ኣብ ጭንቀት ክሕግዞምን ድቃሱ ከማሓይሹን እዮም።
- ሽኮራዊ ምግብን ኣርተፊሻል ሕብርታት ዘለዎ መግብታትን ቸኮሌትን ደረት ግበሩሉ።
- ውላድካ ብኣካላዊ መዳይ ንኽዛነ ሓግዝዎ። እዚ ብውዑይ ማይ ምሕጻብ፡ ምድራዝ፡ ናይ ዛንታ ግዜን ብዙሕ ምሕቋፍን ክኸውን ይኽእል።
- እቲ ንጥፈት፡ ንውላድኩም ዘሕርቕ ወይ ዘጨንቕ እንተ ዀይኑ ቀይርዎ። ንኣብነት፡ ውላድኩም ከም ዝጭነቕ ወይ ከም ዝፈርሕ ዝገብር ምርኢት ተለቪዥን።
ኣብ ዝኾነ እዋን ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ጥዕናኹም ወይ ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ጥዕና እትፈትውዎ ሰብ ትጭነቑ እንተኾንኩም፡ ናብ መስመር ህይወት ብ 13 11 14 ደውሉ።
ሓገዝ ካበይ ትረክብ
- ናትኩም GP (ሓኪም)
- ዝተመደበልኩም ሓኪም ኣዴታትን ውላድን
- ኣብ ከባቢኹም ዝርከቡ ማእከል ጥዕና ማሕበረሰብ
- ሓኪም ሕጻናት ወይ ናይ ህጻናትን መንእሰያትን ናይ ስነ-ኣእምሮ ሓኪም – ዝተመደበልኩም ሓኪም ናብኡ ክልእኸኩም ይኽእል እዩ
- ፊነክስ ኣውስትራልያ ማእከል ድሕሪ ስንባደ ዝመጽእ ጥዕና ኣእምሮ ተሌ. (03) 9035 5599
- ማእከል ሓዘን ተሌ. 1800 642 066
ካብ'ዚ እውን ምኽሪ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፥
- መስመር ህይወት ቁ.ስልኪ፡ 13 11 14
- መስመር ሓዘን ቁ.ስልኪ፡ 1300 845 745
- ብዮንድብሉ ቁ.ስልኪ፡ 1300 22 4636
- መስመር ሓገዝ ቆልዑ ቁ.ስልኪ፡ 1800 55 1800
- መስመር ነርስ ቁ.ስልኪ፡ 1300 60 60 24 - ንሓበሬታን ምኽርን በዓል ሞያ ጥዕና (24 ሰዓታት፣ 7 መዓልታት)
- ኣውስትራልያዊ መርበብ ሓበሬታ ወለዲ - raisingchildren.net.au